1. ኩሉ ስራሕና ኣብ ናይ ዓማውልና ድልየትን ሕልምን ይምስረት። ምስ ዓማውልና ንገብሮ ናይ መጀመርያ ርከብ፡ ብኣካል፡ ተሌፎን ወይ"ን ብ ኢመይል ይኸውን። ኣብዚ ርክብ፡ ድልየትኹም ባህግኹምን ንምርዳእ ዝተወሰኑ ሕቶታት ብምሕታት፡ ጠለባትኹም ንምዕዋት ዝሕግዙ ሞያው ሓሰባትና ነካፍለኩም።
2. ኣብ ናይ ጠልብኹም ተመስሪትና፡ ዝርዝር ዋጋን ናይ ኣፈጻጽማ ፕሮፖዛል ነርቕበልኹም።
3. ኣብ ዘቕረብናልኹም ዝርዝርዝ ዋጋን ናይ ኣፈጻጽማ መምረሒ ርእቶኹም ንሰምዕን ናብ ስምምዕ ንመርሕን። ክሳብ ኣብዚ ንበጽሕ ካብ ዘኾነ ዓይነት ክፍሊት ነጻ እዩ።
4. ምሳኹም ውዕል ምእሳር፣ ንዓና ትእዛዝኹም ንምስራሕ መበገሲ ደወል እዩ። ድግስኹም፡ ብውዕልና መሰረት ብዘዳለኹሞ መልክዕ፡ ቦታን ግዜን ንምስላጥ፡ ዝምልከትን ናይ ሞያ ክፍልታት ብምውህሃድን ብመምራሕን ንስራሕ ንብገስ፡ ንውጥንን ንጅምርን። ምሳኹም ዘለና ርክብ ቀጻሊ ይኸውን።
5. ኣብ ናይ ውራይ መዓልቲ፡ ኩሎም ኣባላትና ኣብ ሳዓቶም ኣብቲ ናይ ድግስ ቦታ ይርክቡን ኩሉ ነገር ብውዕልና መሰረት ይትግበር ምህላዉ ይክታተሉ።
Ring eller mejla oss för en första kontakt! Här finns alla kontaktuppgifter.